Image

ኣዲነት ሚተልሀሰን (AdiNet Mittelhessen) እንታይ እዩ?

ኣዲነት ሚተልሀሰን ሓድሽ ናይ ኣንጻር ሰብኣዊ ኣድልዎ መርበብ ወይ ሰኪዔት፣ ንማእከላይ ከባቢ ናይ ኣውራጃ ሀሰን እዩ።.

ንሕና ሓደ ግፍሕ ዝበለን ንማእከላይ ከባቢ ናይ ኣውራጃ ሀሰን ዘጠቓለለ መርበብ ኣንጻር ሰብኣዊ ኣድልዎ ክንፈጥር ደሊና ኣለና። ዕላምኡ ዲማ ፣ ኣብዚ ኣንጻር ሰብእዊ ኣድልዎ ዝዋስኡ ኩሎም ኣካላት ብሓደ ምምጽእሞ፣ እቲ ተምክሮታትን ብልሓታትን ብስሉጥ ምጥራንፉ እዩ። ምስኡ ብሓደ እዋን እቲ ብሓደ ዓይኒ ዘይምርኣየን፣ (ዘይቅኑዕ) ቅድመ ፍርዲ ምሃብን ንገጥሞ። 
ብሓጺር: ንኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ ኣድልዎ ከነቃልዖን ከንቃለሶን ብሓባር ክንኣትዎ ደሊና ኣለና፣

ነየናይ ጆግራቪካዊ ከባቢታት እያ ኣዲነት ሚተልሀሰን ትሽፍን?

ኣዲነት ሚተልሀሰን እዘን ዝስዓባ ከባቢታትን፣ ብፍሉይ ኩነታት ዝመሓደራ ከተማታትን ተጠቃልል:

ከባቢታት (ወረዳታት):

  • ከባቢ ሊምቡርግ ቫይልቡርግ (Landkreis Limburg Weilburg)
  • ላን-ዲል ከባቢ (Lahn-Dill Kreis)
  • ካባቢ ማርቡርግ-ቢደንኮፕፍ (Landkreis Marburg-Biedenkopf)
  • ከበቢ ጊሰን (Landkreis Gießen)
  • ከባቢ ቮገልስበርግ (Vogelsbergkreis)
  • ከበቢ ፉልዳ (Landkreis Fulda)

ብፍሉይ ኩነታት ዝረኣያ ወይ ዝመሓደራ ከተማታት:

  • ከተማ ጊሰን (Stadt Gießen)
  • ከተማ ማርቡርግ (Stadt Marburg)
  • ከተማ ፈትስላር (Stadt Wetzlar)

ኣዲነት ሚተልሀሰን ኣባየናይ ዓንድታት ወይ ቅዋማት ደው ዝበለት እያ?

ምትእስሳር

ምትእስሳር ናይቶም ኣብዚ ተዋሳእቲ እምነመሰረት ናይ መደብና እዩ። ኣብዚ ብዝያዳ ወከልቲ ናይቶም ኣድልዎ ዝወርዶም ክፍላት ምሳና ክኣትው ንደሊ። ሓቢርና ዲማ ኣኸባታትን ስሩዕ ርክባትን ንገብር ንኣብነት ኣላይት ጉጅለ ተቕውም ፣ ከም ኣድላይነቱ ትራኸበሉ ጣውላ ገርካ ዝተፈላለ ኣርእስታ ትዛረብ፣ ምስ ተሓባበርቲ ከመይ ገርካ ሓብርካ ከም ትሰርሓሉ ትሰርዕ።

ሓይሊ ምሃብን ብቕዓት ምሃብን

ብፍላይ ብነጻ ፍቓድ ዝሰርሑ ሰባት ናይ ብቕዓት ምህሮን፣ ስልጠና ትምህርትን ድልየት ኣሎ። ናይ ሓይሊ-ምሃብን፣ ገንዛበ-ምዕባይን ዓውደ መጽናዕቲታት ብምክያድ ነቶም ብነጻ ፍቓዶም ዝሰርሑ ጥራይ ዘይኮነ ኮላይ ነቶም ንነብሶም ሰብኣዊ ኣድልዎ ዘጓንፎም ሰባትውን ክሕይሉ ትገብሮም። ኣንጻር ኣብ ልዕልኦም ዝካየድ ሰብኣዊ ኣድልዎ ባዕሎም ቀጥታ ክኸላኸሉን ከምኡውን ዝግበር ጃምላዊ ሰብኣዊ ኣድልዎ ከለልዩን ንምግባር ክባራታዑ ኣለዎም።

ግንዛበ-ምዕባይን ህዝባዊ-ዝምድናታትን

ምዱብ ስራሕ ህዝባዊ ዝምድናታት ምኽያድ ንደቒ ሰባት ምስቶም ሰብኣዊ ኣድልዎ ዘጓንፎም ሰባት፣ ግንዘባ ንኸዕብዩ ይሕግዞም። ብዙሕ ጥቕሉል ግብራዊ ስራሓት መዲብና ኣለና። ተወሳኺ ንሙያዊ ዋዕላታትን ንጋዘጣዊ ዋዕላታትን፣ ናይ ዓውደ መጽናዕቲታትን ናይ ሓበረታ ኣኸባታትን ኣውን ነዳሉ። ካብኡ ሓሊፉውን ብኢንተርነት ሓደ ባይታ ብምፍጣር ኣገዳሲ ሓበርታታትን ከነቕርብን ከምኡውን ናይ ባዕልና ኣድላይ ሓበረታት ክነዳሉ ኢና።

ምክልኻል

ናይ ምኽልኻል ምጥቓዕቲ (Präventionsoffensive) ክንጅመር ደሊና ኣለና፣ ከምእውን ሰብኣዊ ኣድልዎ ከይሳዕረር ኮሎ ደው ነብለሉ ስልቲ ከነውጽእ ደሊና ኣለና። ንዕኡ ዝኸውን ብዝሓውነት ዘለዎ ኣመርን ናይ ተግባር መምሪሒን ክንምህዝ ኢና፣ ከምኡውን ሓንቲ ብውፉያት ሓባራዊ-መጻምድቲ ናይ ኣዲነት ሚተልሀሰን ዝቖመት ናይ ምኽልኻል ጊጅል (ጋንታ) ከነተሳስእ ኢና።

ናይ ኣዲነት ሚተልሀሰን ራኢ እንታይ እዩ?

ዕላማታትና ተቐባልነት፣ ኣኽብሮት፣ ኣድልዎ ዘይብሉ ሕድሕዳዊ ህላወ እዩ። እዚ ክልትኡ ካብ ማዕሙቕ ወይ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ክመጽእ ኣለውን፣ ብንቕሓት ክንበርሉ ኣለዎ።

መርበብና ወይ ትካልና ካብ ተሓባበርትና (መጻምድትና) ሂወት ትርክብ። ሰብኣዊ ኣድልዎ ከም ዓቢ ኣርእስቲ ብኹል ክዝረበሉ ወይ ክፍለጠሉ ዘሎ ዕድል ኹልና ብሓባር ምስ ንሰርሕ እዩ። ድልየትና ተምክሮታት ምልውዋጥን ነንሕድሕድ ምሕያልን ጥራሕ ዘይኮነ፣ ራኢና ኣብ ተግባር ምውዓልንውን እዩ። ትምኒትና ምስትውዓልን ምክብባርን ዝመልኦ፣ ቅድመ ፍርዲ ዘይብሉ ዝምድናታት ምስ ካልኦት ሰባት እዚ ካኣ ዓለቶም ወይ መበጎሎም ፣ ጾቶኦም፣ ሃይማኖቶም፣ ናይ ኣካል ወይ ኣእምሮ ጸገሞም፣ ናይ ጾታዊ ዝንባለኦም ወይ መንኖቶም ብዘየገድስ እዩ። ብተወሳኺውን ኣብዚ ክጥቀስ ዘለዎ ካልኦት ናይ ሰብኣዊ ኣድልዎ ምልክታት (ንኣብነት ማሕበራዊ መበቆል / ማሕበረዊ ደረጃ፣ ክብደት ወይ ሚዛን) ዋላዃ ኣብቲ ናይ ሓፈሻዊ ማዕረ ምርእይ ሕጊ (AGG) ገና ዘይተጠቅሱ እንተኾኑ ግደ ይጻወት እዮም።

መርበብ መጻምድትና እንቛዕ ድሓን መጻኹም!

መርበብና ብምትሕብባርኩም ደው ትብል፣ ድልዱል ኪዳን ወይ ምሕዝነት ኣንጻር ሰብኣዊ ኣድልዎ ክንፈጥር ክኢላታትኩም የድልዩና። ድልየትና ሓቢርና ሂወት ዘለዎን ስሉጥን ስራሓት ከነካይድ ከምኡውን ተመክሮታትና ክንለዋወጥ፣ ቅርጺ ከነውጽእን፣ ነንሕድሕድና ክንባራታዕ እዩ።

እዚ እዩ ናይ ሓባርና ኣርእስቲ ወይ ጉዳይ ! ንዑ ናባና ድሃይ ግበሩ!

ኣዲነት ሚተልሀሰን ካባአይ ትሕገዝ ወይ መን ኣብ ጎና ደው ዝብል?

ኣዲነት ሚተልሀሰን ትካል ካብ ብዙሓት ኮማት ዝወጸ ሓደ ናይ ስራሕ ጉጅለ ትሕገዝ ወይ ትምወል። ኣብቲ ናይ ስራሕ ጉጅለ ወከልቲ ናይ ከባቢታት ማርቡርግ-ቢደንኮፕፍን ፣ ጊሰንን ከምኡውን ናይ ዩኒቨሪስታት ማርቡርግን ጊሰንን እውን ይሰርሑ። ብዘይክኡውን ኩለን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ኣብ መርበብና ክሳተፉ ዝደልዩ ኣብ ጎድና ኣለው። ዋላውን ንስኹም።

መራኸቢ ኢመይል: info@adinet-mittelhessen.de ወይ ተለፎን: 0641 9390-1790 oder -1713